الأربعاء، 23 فبراير 2011

تصريح صحفي صادر عن المفوضية الوطنية الإرترية للتغيير الديمقراطي


تعلن المفوضية الوطنية الإرترية للتغيير الديمقراطي عبر هذا التصريح لكل أبناء شعبنا وقوى التغيير الديمقراطي عن قبولها في التاسع من فبراير 2011م لعضوية ممثلي حزب الشعب الديمقراطي الإرتري شعار(فليعم الحوار والديمقراطية) في المفوضية.

ويذكر أن المفوضية الوطنية كانت قد إنبثقت عن ملتقى الحوار الوطني الذي عقد بنجاح في الفترة من 31 يوليو – 9 أغسطس 2011 باديس أبابا، وتم تحديد  عضويتها ب53 عضواُ يمثلون تنظيمات التحالف، والتنظيمات السياسية الاخرى، ومنظمات المجتمع المدني، واللاجئين، والمرأة، والشباب، وقدامى المناضلين والشخصيات الوطنية.


وبالرغم من أن حزب الشعب الديمقراطي الإرتري كقوة سياسية أقصى نفسه عن المشاركة في ملتقى الحوار الوطني ،إلا أن الملتقى كان بعيد النظر فتعامل معه بصدر رحب بحفظ خانتيه لدى المفوضية ، وقبول عضويتة على قدم المساواة مع بقية فصائل التحالف  من أجل إنجاح المؤتمر الوطني القادم . و يعرف الجميع  أن المفوضية وبناءاُ على قرار الملتقى كانت تنتظر بفارق الصبر بأن يسمي الحزب ممثليه . لكنه أكد مجدداً بعدم تقيده بنتائج الملتقى ولا يعترف بالمفوضية الوطنية ، وعدم تسميتة لممثليه عبر التحالف مما أجبرها على مزاولة عملها وعضويتها ناقصة .

وبعد أن أبدى حزب الشعب الديمقراطي الإرتري الذي رفع الشعار المرحلي ( فليعم الحوار والديمقراطية) إلتزامه بقرارات الملتقى، وإستعداده للعمل بلا شروط مع المفوضية من أجل إنجاح المؤتمر الوطني، وتسميته لكل من السيد/ محمد نور أحمد والسيد/ مكنن هيلي ، تؤكد المفوضية تقبلها لهذا التمثيل .

وبهذه المناسبة تؤكد المفوضية الوطنية الإرترية للتغيير الديمقراطي مع إكتمال عددها بان جهودها ماضية لإيصال الأمانة التي أوكلها إياها الملتقى إلى غايتها بعقد المؤتمر الوطني بعرق شعبنا وجهده في موعده المحدد، وهي واثقة بأن السيدين/ محمد نور احمد ومكنن هيلي سيلعبان دورهما المسؤول في إنجاح المؤتمر الوطني ، انسجاما مع تطلعات وآمال شعبنا. متمنين لهما التوفيق في العمل مع رفاقهما في المفوضية لإنجاز هذه المهمة التاريخية ، كما نؤكد أن أبواب المشاركة  في أعمال المؤتمر الوطني مفتوحة للجميع وعلى  قدم المساواة في أي مرحلة من مراحله ، مؤكدين أن مسؤولياتنا الوطنية والتاريخية  أقوى وأكبر .
 
بمشاركة قوى التغيير الديمقراطي  سينجح المؤتمر الوطني!
النصر للمؤتمر الوطني !
السقوط للنظام الدكتاتوري!

اللجنة الإعلامية
المفوضية الوطنية الإرترية للتغيير الديمقراطي
21 فبراير 2011م
          
 ጋዜጣዊ መግለጺ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ብዕለት 09 ለካቲት 2011 ክልተ ወከልቲ ንኣባልነት ኮምሽን ናይቲ “ዘተን ደሞክራስን ይዓንብብ” ብዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ዝተበገሰ ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወግዒ ምቕባሉ ንመላእ ህዝብን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን በዚ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዚ ይሕብር።
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ኣብቲ ካብ 31 ሓምለ ክሳብ 09 ነሓሰ 2010 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተጋብአ ዕውት ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሳዊ ለውጢ ዝተመዘዘ ኣካል ምዃኑ ይፍለጥ። እዚ ኣካል’ዚ ካብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ኪዳን ወጻኢ ዝርከቡ ፖሎቲካዊ ሓይልታት፡ በርጌሳዉያን ማሕበራት፡ ስደተኛታት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ መንእሰያት፡ ገዳይም ሓርበኛታትን ግዱሳት ውልቐ ሰባትን ዘካተተ ብ53 ኣባላት ዝቆመ ኣካል’ዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (EPDP) ብገዛእ ድሌቱ አብሃገራዊ ዋዕላ ተሳትፍኡ ዝነፈገ ፖሎቲካዊ ሓይሊ’ኳ እንተነበረ፡ ዋዕላ ንርሑቕ ብምቁማትን ልቢ ብምዕባይን ብጽሒት ክልተ ወከልቱ ክሰድድን ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ምስ ኮምሽን ተሓባቢሩ ክሰርሕን ብምዓረ ከም ኩሎም አባላት ውዱባት ኪዳን ክፉት ዕድል ከምዝተዋሃቦ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብመሰረት ውሳኔ ዋዕላ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወከልቱ ክሰድድ ብሓንጎፋ ክጽበ ምጽንሑ ዘይኸሓድ’ዩ። እንተኾነ ግን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ደጋጊሙ ብዕውት ውጽኢት ሃገራዊ ዋዕላ ውሳናተቱ ዘይምእዘዝን ዘይቕየድን ምዃኑ ብምግላጹን እቲ ንዕኡ ዝተሓዝአ ክልተ ቦታ ንምምላእ፡ ወከልቱ ክሰድድ ፍቓደኛ ኮይኑ ብዘይምርካቡን ኮምሽን ብ51 ኣባላት ማለት ብክልተ ጎደሎ ቁጽሪ ክሰርሕ ተገዲዱ ምጽንሑ ዘይሰሓት’ዩ።  

እቲ “ዘተን ደሞክራስን ይዓንብብ” ብዝብል መድረኻዊ ጭርሖ ዝተበገሰ ሸነኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዕውት ውሳኔታት ሃገራዊ ዋዕላ ምእዙዝን ንሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ምስ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ብዘይዝኾነ ቅድመ ኩነት ተሓባቢሩ ክሰርሕ ድልውነቱን ብድሕሪ ምርግጋጽ፡ ኣብ ኮምሽን ወከልቱ ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድን ኣቶ መኮነን ሃይለን መዚዙ ምስዳዱን ኮምሽን’ውን ነዚ ቅቡል ምውሳዱን የረጋግጽ።  
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን እቲ ክልተ ጎዲልዎ ዝነበረ ቁጽሪ ኣባላቱ መሊኡ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተዋሃቦ ረዚን ህዝባዊ ሓደራ ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕን: ንክሉ ደላዪ ለውጢ ብዘይአፈላላይ ዘሳትፍ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ግዚኡ ንምግባእን ብርቱዕ ጻዕርታቱ ህያውን ቀጻልን ምዃኑ እናሓበረ፡ ንኣባላት ኮምሽን ኣቶ መሓመድ ኑር ኣሕመድን ኣቶ መኮንን ሃይለን ሃገራዊ ጉባኤ ብክንድ’ቲ ትጽቢታት ህዝብና ንምዕዋቱ ኩሉ ዓቕምታቶም ጸንቒቆም ብተወፋይነት ከምዝሰርሑን ልዑል ሓላፍነታዊ እጃሞም ከምዝጻወቱን ልባዊ እምነቱ ይገልጽ። ኣብዚ ታሪኻዊ ዕማም’ዚ ከኣ ምስ ኩሎም ብጾቶም ኣባላት ኮምሽን ዓወትን ኣሳልጦን ክጓናጸፉ ንምነየሎም።
ሃገራዊ ጉባኤ ብተሳትፎ መላእ ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክዕወት’ዩ!
ዓወት ንሃገራዊ ጉባኤ !!
ውድቀትን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ!
ሽማግለ ዜናን ሓበሬታን
ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ
21 ለካቲት 2011

ليست هناك تعليقات: